እዋናት ፊሕታ ናብ ስሊኮን ቫሊ እንዳተመልሱ እዮም። እቶም በቲ ጽርግያ 101 ቖይሞም ዝርከቡ ኣብያተ-ጽሕፈታት፣ ተስፋ ብዘለዎም ናይ ጀመርቲ ትካላት ምልክታት ዳግም ኣጊጾም ኣለው። ክራይ ንላዕሊ ይንሳፈፉ ኣለው፤ ልክዕ ከምኡ ከኣ ጠለባት ናይ ዘብለጭልጩ መዕረፊ ገዛውቲ፣ ከም ኣብ ሌክ ታሆ ዝርከቡ ናይ መዘናግዒ ከተማታት፣ ሃብቲ ዝድለበሉ ዘርኢ ምልክታት ኣሎ። እቲ በይ ኤርያ ናይ ሓውሲ-ኣመሓላላፊ ኢንዱስትሪ ከምኡውን እተን ኮምፕዩተርን እንተርነትን ኩባንያታት ድሕሪ እቲ ትንሳኤኡ ስዒበን ዝዓበያን ዝተወልደሉ ቦታ እዩ ኔሩ። መብዛሕትኦም ነቶም ንዓለምና ንመጻኢ ከምተምርሕ ዘላ ዘእምኑ ኣደነቕቲ ነገራት፣ ካብ ብኢድ ዝጥወቓ ዓለባ ተለፎናት ክሳብ ንዓበይቲ ቤት-ንባባት ብኡ-ንብኡ ንኽትፍትሽ ዘኽእል ክሳብ ናይ ኣብ ርሑቕ ማይልስ እትበርር ናይ ሕንዚዝ ነፋሪት ሮቦት ክትነፍር ዘኽእላ ሓይሊ በቶም ብልሔኛታታ ዝተዋህቡ እዮም። ተሓድሶ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታታ ካብ 2010 ኣትሒዙ ዝጀሚረ ኮይኑ ዕቤት ንቕድሚት ይግስግስ ከምዘሎ እዩ ዝሕብር።
ስለዚ ሓደሓደ ኣብ ስሊኮን ቫሊ ዘለዉ እዚ ቦታዚ ከምዝደስከለ፤ ከምኡውን አቲ ናይ ምህዞ ፍጥነት ንዓሰርተታት ዓመታት ዛሕቲሉ ከምዝጸንሔ ዝሓስቡ ምህላዎም ምናልባት ሓደ ዘገርም ነገር ኮይኑ ክርኤ ይኽእል ይኸውን። ፒተር ቲል፤ ናይ ፐይፓል መስራቲን፣ ናይ ፈይስቡክ ናይ መጀመርታ ናይ ወጻኢ ኣውፋራይን፣ ብዛዕባ ምህዞ ኣብ ኣሜሪካ "ኣብ መንጎ ጽንኩር ኩነታትን ምውትን" እዩ ዘሎ ዝርከብ ይብል። ኣብ ኩሎም ዓይነታት ጽፍሕታት ዝርከቡ መሃንድሳትውን ብተመሳሳሊ ናይ ተስፋ ዘቑርጽ ስምዒትታት ከምዘለዎም እዮም ዝሕብሩ። ከምኡውን ውሑዳት ግን እንዳወሰኹ ዝኸዱ ዘለው ናይ ቁጡባ ተመራመርቲ ነዚ ናይ ሎሚ ምህዞታት ዘኸትልዎ ዘለው ቁጠባዊ ጽልዋታት ምስቶም ናይ ቀደም ኣወዳዲርካ ክርኤ ከሎ ዝተሓተ ኮይኑ ከምዝርከብ ይእመኑ።
[ … ]
ብኹሉ መዳይ፣ ኣብ ሕሱር ናይ መስርሕ ዓቕምታት ተመርኩሶም ዝንቀሳቐሱ ምህዞታት ብሓይሊ ንላዕሊ ይውንጨፉ ኣለው። ኮምፕዩተራት ተፈጥርኣዊ ቓንቓ ክርድኣ ጀሚረን ኣለዋ። ኣህዛብ ናይ ቪድዮ ጸወታት ብናይ ኣካል ምንቅስቓስ ጥራሕ ንበይኑ ይቆጻጸርዎ ኣለው — እዚ ቴክኖሎጂ እዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መብዛሕቱ ናይ ንግዲ ዓለም ጠቓምነት ዝረኽበሉ ይህሉ ይኸውን። ናይ ሰለስተ ኩርናዕ መሕተሚታት፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳተሓላለኸን፣ እንዳገደደን ዝኸይድ ዘሎ ነገራት ከምኡውን ናብ ናይ ወዲሰብ ኣካላትን፣ ካልኦት ኣቑጽልትን ኣብ ቀረባ እዋን ብቕጽበት እንንዳገለጸ ክኸይድ ይኽእል እዩ። .
እቲ ኣብ ምህዞ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ሰብ፤ ነዚ ከም "ማልማላታ ጽባሕ" ቢሉ ክነጽጎ ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግና እቲ ቴክኖሎጂ ዝመርሖ ዕቤት ወይ ከየቓረጸ ክቕጽል ወይ ድማ ዝግ እንዳበለ እዩ ዝኸይድ ዝብል ኣተሓሳስባ፣ ኣብ ክንዲ ኣንዳጠፍኤን ቀስ ኢሉ ዝውሕዝን፤ ምስ ታሪኽ ዘይቃዶ እዩ። ናይ ምህርቲ ዕብየት ኣብ ዕድመ ቁጠባዊ ምዕባለ ዘይተመዓራረየ ከምዝነበረ ናይ ቺጋጎ ዩኒቨርስቲ ቻድ ሳይቨርሰን ይጠቅስ።ኣብቲ እዋን ናይ ዝለዓለ ኤለክሪካዊ ምህዞታት እዋን፣ ኣብ መወዳእታ ናይ 19ን ከምኡን ናይ መጀመርታ 20 ክፍለ-ዘመናት ዕቤት ዝሑል እዩ ነይሩ፤ ብድሕሪኡ ኸኣ እንዳወሰኸ ከይዱ።